ኣብ ናትና ወብሳይት መርሃባ ንብለኩም.።  

ናትና ቤት ጽሕፈት ካብ ፩፱፱፪ ጌሩ ካብ ዝኽፈት።ኣብ መጀመርፓ ናትና ቤት ጽሕፈት ከም ኒሸ ቤት ጽሕፈት ጅሚሩ።

እቲ ሽዑ ዘጀመርናዬ ሰራሕ ናይ ስደተኛ ሕጊ እዩ ኔሩ። ቤት ጽሕፈና ካብ ዝኽፈት እቲ ናይ ሕጋዊ ስርሖና እናወሰኸ ከይዱ። ካብ ዒስራ ዓመት ዝነውሕ ተሞኩሮ ስለ ዘሎና፣ ስሊኡ ብዘይካ ናይ ስደተኛን፣ ናይ መቕጻዕቲ ሕግን፣ በተፋላለየ ካልእ ዓዝይነት ሕጋዊ ነገር ክንሕግ ንኽእል።

ብስንኪ እቲ ነዊሕ ቶሞኩሮ ብዛዕባ ሕጋዊ ነገራት፣ ስሊኡ ኣብ ቤት ፈርዲ ብዝሓሸ መገዲ ክንታሓባበረኩም ንኽእል

በቲ ሃደ ውገን እቲ ጉዳይኩም ኣብ ቤት ፍርዲ ንኸይበጽሕ ብጽቡቕ ምኽሪ ክንታሓባበረኩም ኢና።

ዝተፋላለዩ ዓይነት ሰባት እዮም ናባና ንሓገዝ ኢሎም ዝመጹ። ገሊኦም ብሕታዊ፣ ገሊኦም ከም ኩባንያ ኮይኖም ናባና ይመጹ። ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኩባንያ ከማን ናባና ይመጹ።

ነቲኦም ኣብ ወጻኢ ብኣና ሓገዝ ዝረኽቡ ኩባንያ፣ ኣብ ናትና ዌብሳይት ብኣየኖት ሕጋዊ ነገራት ክንሕግዞም ከም ንኽእል ተወሳኽታ ሓብሬታ ክረኽቡ ይክእሉ፤

ናትና ቤት ጽሕፈት ኣብ ፓራዳይስላኣን ቁጽሪ ፬፪ኣ፣ ፫ ደረዻ ኣብ ኣይንድሆቨን ዝብሃል ዓዲ ይርከብ። ናትና ቤት ጽሕፈት ጥቓ መዘጋጃ ቤተ ናይ ኣይንድሆቨን ይርከብ።

በዚ መኽያት ብቀሊል ክርከብ ይከኣል። ኣብቲ ከባቢና እኹል ናይ ማኪና መዕረፊ ቦታ ኣሎ።

እቲ ብባቡር ክመጽእ ዝደለየ ሰብ ናትና ቤት ጽሕፈት ብቀሊል ክረኽቦ ይኽእል።

ኣብ ናትና ዌብሳይት ብዛዕባ እቲኦም ጠበቓታት፣ ብዛዕባ ሕጋዊ ስራሕና፤ ብዛዕባ ጉዕዞ ናብ ናትና ቤት ጽሕፈት፤ ብዛዕባ እቲ ትኸፍልዎ ደረጃ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ምስኡ ኸኣ፣ ናብቲ ኮንታክት ዝብል ገጽ እንድሕር ኬድኩም፣ ኣብኡ ነቲ ዝምልከቶ ጠበቓ ሕቶኹም ከተቕርቡ ትኽእሉ።

እዚ ኸኣ ምስቲ ናትና ርእዮት ይኸይድ፣ ማለት ነቲኦም ሓገዝና ዝደልዩ ዓሚል ብቀሊል መገዲ ክረኽቡና ኢና ንደሊ።